GamesTigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ
Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ - Screenshot 1
Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ - Screenshot 2
Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ - Screenshot 3
Tigrinya Riddles ሕንቅል ሕንቅሊተይ - Screenshot 4

Aperçu du jeu

ሕንቅል ሕንቅሊተይ ብትግርኛ Tigrigna Riddles, Tigrinya Riddles ሕንቅልሕንቅሊተይ ...

መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ)

ሕንቅልሕንቅሊተይ ሓደ ሓሳብ ወይ ሕቶ ኾይኑ፣ ኣብ ውሽጡ ዝተሰወረ ወይ ድርብ መልእክቲ ዘለዎ ኢዩ። እቲ ናይ ብሓቂ መግለጺኡ እኳ ኣብ ክትዕ ዘሎ እንተኾነ ከምዚ ዝስዕብ ክግለጽ ይክእል፣ ሕንቅልሕንቅሊተይ ማለት ሓደ ባህላዊ ናይ ቃል ኣገላልጻ ኮይኑ ሓደ ወይ ልዕሊኡ ገላጺ ክፋላት ክሕዝ ይኽእል፣ እዞም ጽምዲ ክፋላት ተጻረርቲ ክኾኑ ዝኽእሎ ኮይኖም ፣ እቲ ዝሕተት ዘሎ ባእታ ከኣ ይግመት።



ሕንቅልሕንቅሊተይ ክልተ ዓይነት ኮይኖም፣ እቲ ሓደ ብተምሳሌታዊ ኣገላልጻ ዝግለጽ ኮይኑ ብጥንቃቀ ምሕሳብን ብልሕን ዘድልዮ ኢዩ። እቲ ካልኣይ ድማ ሕቶ ኮይኑ ኣብቲ ውጽኢት ናይቲ ናቶም ማንታ-ቓላዊ ወይ ናይ ዋዛ ኣገላልጻ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕቶ ወይ መልሲ ዝምርኮሱ ኢዮም።



ኣብ ሃገርና ካብ ነዊሕ ጀሚሩ ዝነበረን ኣብ መላእ ዓለም እውን ናይ ነዊሕ ዝጸንሐ ታሪኽ ዘለዎ ኢዩ፣ ኣብ ብዙሕ እዋናት እውን ከም ዓለም ለኻዊ ስነጥበብ ይግለጽ። ኣብ ሃገርና ኣብ ነፍሲወከፍ ገዛ ከም መብልሒ ኣእምሮን ከም መዘናግዒን ዝዝውተር ዝነበረን ዘሎን ኢዩ።



ሕንቅልሕንቅሊተይ ዝብል ሕቶ ብ መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ ኣብ ናይዚ ሕጂ ወለዶ) ምስ ተመለሰ፣ እቲ ዝስዕብ ሓሳብ ወይ ሕቶ ይመጽእ፣ እቲ ዝሕተት ዘሎ እውን ይምልስ። ኣብ መንጎ ክልተ ሀን ለን ኢልና ዝሰመናዮም ሰባት፣ ሕንቅልሕንቅሊተይ ከመይ ከም ዝመስል ንርአ።



ሀ፡ ሕንቅልሕንቅሊተይ

ለ፡ መሰነይተይ (ሰናብሰናቢተይ)

ሀ፡ “ለይቲ ተሰሊማ ቀትሪ እትቕንጠጥ” ፍለጠለይ

ለ፡ ሰማይ



እዚ ኣብ ላዕሊ ዝረኣናዮ ኣብነት ኣብ መንጎ ክልተ ሰባት ኮይኑ፣ ኣገባብ ሕንቅልሕቅሊተይ የርእየና። ናይዚ ሕቶ ስውር ሓሳብ፣ ኣብቲ ናይ ኣብ ግዜ ለይቲ ዘሎ ብከዋኽብቲ ዝመጽእ ግርማ ናይ ሰማይ ዝተመርኮሰ ኢዩ።

Date de mise à jour
Oct. 09, 2023
Date de sortie
Sept. 19, 2016
Prix
Gratuit

Développeur

Plus de jeux par Afromium Digital Solutions
Accepter les cookies de Skich sur ce navigateur ?

Skich utilise des cookies et des technologies similaires pour fournir, améliorer, sécuriser et analyser ses services. En cliquant sur « Tout accepter », vous acceptez de nous permettre d'utiliser nos propres cookies et ceux de tiers conformément à notre Politique de cookies.